ጻውዒት፡- ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ንሓድሽ ፍርያት ሄልድ (HELD)

ትካል ካልኦት ስድራቤታዊ ርክብ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ን ሄልድ ኣብ ሓድሽ ፍርያት ትያትር ሳዕስዒት ንኽሳተፋ ይደሊ ኣሎ።

ዑቕባ ዝሓቱ፣ ናይ ምምዝባል ተመኩሮ ዘለዎም፣ ከምኡ’ውን/ወይ ድማ ካብ ኣህጉራዊ ዝበዝሑን ኣብ ጌትሸድ፣ ኒውካስል ወይ ስቶክተን ዝነብሩን ናይ ስድራቤት መጻምድቲ (ንኣብነት ኣደን ጓልን፣ ዓባየይን ወዲ ጓልን) ንዕድም።

ሄልድ እንታይ እዩ?

ሄልድ ብዛዕባ ምሓዝን ምትሓዝን ዝምልከት ሕያዋይን ሓላዪን ፕሮጀክት ትያትር ሳዕስዒት እዩ – ብስድራቤት፣ ብማሕበረሰብን ብቦታን እዩ።

እቲ ስራሕ ምስተን ዝሳተፋ ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን ብሓባር ዝፍጠር እዩ። እዚ ማለት ድማ ነቲ ስራሕ ብሓባር፣ ቀስ ብቐስን ብጥንቃቐን፣ ንዝምልከቶ ኹሉ ሰብ እናሰማዕና ንሰርሖ ማለት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ምርኢት ዘቕረበ ክትከውን ኣየድልን/ግድን አይኾንን እዩ።

እቶም ዓውደ መጽናዕትታት ከመይ ክኾኑ እዮም?

ዝቕጽል መድረኽ ናይቲ ፕሮጀክት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ዝካየድ ኮይኑ፡ ብናይ ኩባንያ ካልኦት ስነ-ጥበባዊ ዳይረክተር፡ ናድያ ኢፍትካር ዝምራሕ ዓውደ መጽናዕትታት ክካየድ እዩ።

  • እዞም ክፍለ ግዜታት እዚኦም፤
  • ዘዘናግዕ፣ ሕያዉን ተቐባሊን ይኸዉን
  • ምንቅስቓስ፣ ጸወታን ፈጠራን የጠቓልል

ንኽትርእን ክትዘናጋዕን ከምኡዉ’ን ንዓኻ/ኹም ዝምጥን ኮይኑ ዝስምዓካ/ኩም እንተኾይኑ ክትዕዘብን/ቡን ዕድል ይህብ

ኣብ ናይ መወዳእታ ምርኢት ክትዋሳኡ እንተደሊኹም ሕጂ ምውሳን ኣየድልየኩምን እዩ። እዚ። ንኽትፍትንዎ ዕድል ’ ዩ።

ዕለታት ዓውደ መጽናዕትታት ኣብ ስቶክተን፡ ሰኑይ 3 – ዓርቢ 7 ነሓሰ ኣብ ማእከል ስነ-ጥበብ ኤ.ኣር.ሲ ስቶክተን

ዕለታት ዓውደ መጽናዕትታት ንኒውካስል፡ ሰኑይ 10 – ዓርቢ 14 ነሓሰ ኣብ ዘ ብሪክስ፡ ዎከር

መግብን መስተታትን ክቐርብ እዩ። ተርጐምቲ ክህልዉ እዮም።

ንፕሮጀክት ክትሕሰብ ኣብ ሰሙን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍለ ግዜ ክትሳተፍ ኣየድልየካን እዩ። ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ቅጥዒ መግለጺ ተገዳስነትና ምምላእኩም፡ ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ዕለታት ገለ ምህላውኩም ኣረጋግጹ።

መን ክሳተፍ ይኽእል?

አንሕና ንደልዮም፡-

  • ስድራቤታዊ ርክብ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮን ኣዋልድን (ዝኾነ ሰብ ደቂ ኣንስትዮን /ወይ ኣዋልድን ምዃኑ ዝገልጽ)
  • ካብ 6–12 ዓመት ዝዕድሚአን ኣዋልድ (ውላድኩም ዝዓበየ እንተኾይኑ ግን ድማ ክትሳተፉ ተገዳስነት እንተሃልዩኩም፣ በጃኹም ሕጂ ‘ውን ርኸቡና)
  • መን እዮም፡-
    • ንመዕቆቢ ዝደልዩ ሰባት፣ ናይ ምምዝባል ተመኩሮ ዝነበሮም፣ ከምኡ’ውን/ወይ ድማ ካብ ዓለምለኻዊ ዝበዝሐ ህዝቢ ዝኾኑን    
    • ኣብ ጌትሸድ፡ ኒውካስል ወይ ስቶክተን ምንባር
    • ኣካላቶም  ንምንቅስቃስ ርእሰ ተኣማንነት ዘልዎም

ብዛዕባና

ትካል ካልኦት ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝርከብ ብአርትስቲክ/ስነ ጥበባዊት ዳይሬክተር ናይዳ ኢፍትከሀር ዝምራሕ ናይ ሳዕስዒት ትያትር ትካል ’ዩ። ምስቶም ብሕብረተሰብ ዝተገለሉ ሰባት ብምትሕብባር ምንቅስቓስ፣ ምዝንታው ዛንታን ሓልዮትን ዝወሃሃዱ ምርኢታት ንፈጥር።

ክብርታትና ስነ-ጥበባዊነት፣ ፍትሓውነትን ቅንዕናን እዮም።

ትካል ካልኦት ምስ ህጻናትን መንእሰያትን ናይ ምስራሕ ናይ 10 ዓመት ተመኩሮ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ብመንገዲ ነጻ ፕሮጀክት ሳዕስዒት መንእሰያት ዋከር ሓዊሱ  (Walker Youth Dance Project)

ካብ 2016 ጀሚርና ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጽላት ስነ – ጥበባዊ መደብና ምስ መዕቆቢ ዝደልዩ ሰባት ተሓባቢርና ኣለና። ኣብ 2023 ዓ.ም ድማ ትካል ሳዕስዒት መዕቆቢ (Dance Company of Sanctuary) ክንኸዉን ኻኢልና።

ብሓልዮት፣ ብሕያውነትን ብኣኽብሮትን ኢና እንሰርሕ።

ድምጺ ኩሉ ሰብ ኣገዳሲ ዝኾነሉ፣ ስነ-ጥበብ ድማ ብዛዕባኦም ዘይኮነስ ምስ ማሕበረሰባት ዝስራሕ ናይ ምቕባል ቦታ ብምፍጣር ንኣምን።

ብኽመይ ምስታፍ ይከአል

ተገዳስነት እንተዳ ሃልዩኩም ናይ ተገዳስነት መግለጺ ቅጥዒና ምልኡ።

ኣብ’ቲ ቅጥዒ ምስታፍ ማለት ቃል ትአትዉ ማለት ኣይኮነን – ዕላል ንምጅማር ዝቕጽል ስጉምቲ ጥራይ እዩ።

ናይ ተገዳስነት መግለጺ ቅጥዕና ምልኡ

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ነዚ ቅጥዒ ንምምላእ ሓገዝ ምስ እትደልዩ፣ በዚ ዝስዕብ ኣድራሻና ርኸቡና፤ community@companyofothers.org.uk /01912761524

ምሳኻትኩም ክንራኸብ ደስ ይብለና።

ትካል ካልኦት